← Go Back Home

Enticho - እንትጮ

Objectives

Strengthen unity, protect community interests, correct internal challenges through dialogue, and coordinate development work for Enticho.

ENTICHO
(እንትጮ)

A Legacy of Bravery and Prosperity
Established: Circa 1570 AD
Climate: Temperate "Dogia"
Land of Heroes

The War of 1570
Enticho entered the history books on November 1, 1570. It was the site of a pivotal six-week war between Emperor Sertse Dengel and Bahri Negasi Isaac.
Strategic Base: Enticho served as the command center for the campaign that brought Debarwa back into the Habesha administration.

A THRIVING HUB
Enticho is a major administrative and trade center for the Egela, Hahayle, and Ahferom districts.
እንትጮ "ስፍራ ጨው?"
ቅድሚ 1570 ዓ.ም(ግ) ንኡሽተይ ቁሸት ነይራ ይብልዋ ብግምት ንከተማ እንትጮ። ፅሑፋት ከምዝሕብርዎ ግን ኣብ ሕዳር 1/1570 ዓ. ም(ግ) ዝተወለዐ ንሓደ ወርሕን ፈረቓን ዝተኻየደ ኲናት ኣብ እንትጮ ተጀሚሩ ድሕሪ ከቢድ ምድፍፋእ ኣብ ዓዲ ይዕቖሮን ከባብታት ፈረስ ማይን እዩ ተወዲኡ።
እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ሃፀይ ሰርፀድንግልን ናይ ቱርኪ ሓገዝ ሰራዊት ረኺቡ ዝዋጋእ ዝነበረ ትግራዋይ ባሕሪ ነጋሲ ይሳቕን (ደብረበንኮል) ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።
ሃፀይ ልብነድንግል ገዚፍ ደገፍ ዓዲ ሓበሻ ሒዙ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ይፍለጥ።
ኣብቲ ናይ ሓደ ወርሕን ፈረቓን እንትጮ ዝጀመረ ኲናት ሓደሽቲ ኣፅዋር ዝሓዘ ሰራዊት ቱርኪን ሓያል ሰራዊት ባሕሪ ነጋሲ ይሳቕን ጥንኩር መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣስጊኡ ነይሩ። ሃፀይ ሰርፀድንግል ግን ንድሕሪት ከይበለ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ፀላእቱ ዝተሰለፉ ተጋሩ ሰራዊት ባሕሪ ነጋሲ ይሳቕ ንብረትን ስድራቤትን ፈልዩ በብዓዱ ከጥቅዕ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ'ውን መራሒ ሰራዊት ቱርኪ ፓሻ ኤክዋርድን ባሕሪ ነጋሲ ይሳቕን ብሓደ መዓልቲ ኣብ ዓውዲ ውግእ ወዲቖም መወዳእታ ኲናት ኮይኑ።
እዚ ኲናት ብዓወት ሰርፀድንግል ተወዲኡ ድባርዋ ናብ ኢድ ሓበሻ ዝኣተወትሉ ኲናት እዩ ነይሩ። ነዚ'ውን ከም መዋፈሪ ኮይና ዘገልገለት እንትጮ እያ ነይራ። እንትጮ ክሳብ ይሓ ተጠቓሊላ ከም ሓደ ናይ ምምሕዳር ናቑጣ እትቁፀረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ዝነበረ ድሕሪኡ እዩ። ደጃች ክፍለዋህድ ደብረፅዮን ማእኸሎም ገይሮማ ነይሮም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ገሊኡ ኣሎ። ንጓል ሃፀይ ሰርፀድንግል ንልእልቲ ክርስቶሳዊት ምስ ተመርዐው ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ 12 መጋርያፀብሪ ዝበሃል ጉልቲ
ከም ገዝሚ ተዋሂብዎም ደቆም ደቂ ደቆምን ዝተፋረዩሉ ኮይኑ ዝቐፀለ ብኡ እዩ።
እንትጮ ኣብ ዘበን ደጃች ውቤ ተጠቕሊላ ንሓደ ሺምፐር ዝበሃል ጀርመናዊ ርስቱ ንክትኮኖ ሂቦሞ ነይሮም። እዚ ፈረንጂ ኣብቲ ዓዲ ንመጀመርያ ጊዜ ድንሽ ወፃኢ ተኺሉ ዘተኣታተወ እዩ ይበሃል።
ደጃች ውቤ ተሳዒሮም ሃፀይ ቴድሮስ ምስ ነገሱ ግን ነቲ ቦታ ከምዝምንጠል ገይሮሞ።
ብድሕሪ'ዚ ሓያሎ ከባብታት እንትጮ ናብ ኢድ መሳፍንቲ ትግራይ ሓሊፉ ክሳብ 1966 ዓ.ም ለውጢ ኣብ ኢፎም ፀኒሑ።
ቅርስታት እንትጮ ናይ ዘበነ ኦሪት'ዩ ተባሂሉ ዝእመን ጥንታዊ ቅርስታት ኣብቲ ናብ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝወስድ መንገዲ ኣለዋ። ኣፀቢቑ ዝተዳህሰሰ ግን ኣይኮነን። ሙስሊም እንትጮ መጀመርያ ሰፊሮሙሉ ነይሮም ዝብሃል ዓዲ ሕድሮ'ውን ምስ ዘይተዳህሰሰ ቅርስታቱ ናብ ደቡብ ገፅ እታ ከተማ ይርከብ።
እንትጮ ምዕርግትን ውዕይትን ከተማ እያ። ኣወገር ዝበሃል ግርማ ሞገሱ ዘህንን እምባ ኣብ ላዕሉ ናይ ራእሲ ኣሉላ ድፋዕ ዝነበሮን ሓፅቢ ማይ ዘለዎን እዩ ይብሉ ዝፈልጥዎ ሰባት።ኣርባዕተ ብረይን፣ክልተ ስናይፐርን ካላሽናትን ዝሓዙ ጀጋኑ ሚሊሽያን መራሕቶምን ኣብቲ ማይ ኣርባዓ፣ ሃርመድን ሴሮን ዘሎ እምባታት ዓዶም ድፋዕ ገይሮም ልዕሊ ሾሞንተ ሚእቲ ሰራዊት ፀላኢ
ብምድምሳስ ዕጥቂታት ዝማረኹሉን ናብ ላዕሊ ከይሓኩርን ቅያ ዝሰርሑሉ ስፍራታት ኣብ ከተማ እንትጮ ኮይንካ ክትጥምቶ ኣይምነውን።ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ጣልያን ቅድሚ ናብቲ መጋርያታት ገንደብታን ማርያም ሸዊቶን ምሕላፉ ሳውርያ ኢሉ ዝስየሞ ካብ እንትጮ ናብ ምዕራብ ገፅ ዝርከብ እምባታት ኣሎ።ኣብዚ ኩሉ እምባታት ተኸቢባ እትርከብ እያ።
ፀጋታት እንትጮ
ሽፍን ቆርቦታ 1,172 ሄክታር ከምኡ ውን ወይና ደጉዓ ፀባይ ኣየር ዘለዋ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኣ ኣብ ዓሚቕ ዝኮነ ብእንባታት ዝተከበበትን ሓውሲ ከውሓማ ዝበዝሓ፣ መስኖ ልምዓት ዘለዋ : ንመነባብሮ ዝተመቸወትን ውቕብቲ ከተማ እያ፡፡
ሰፊሕ ህዝቢ 35,136 በዝሒ ህዝቢ ዝርከባ ብበዝሒ ጉልበት መንእሰይ ዝርከባ ከተማ እያ፣
- ዓዲ ባሻይ ኣውዓሎም ሓሮጎት ጀግና ታሪኽ ኩናት ዓደዋ፤ ዓዲ ጉሩም ረዳ ኣስረሰሀኝ ታሪኽ 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ፀረ-ነፋሪት ካብ ምሕላው ምሸላ ልዕሊ 3ተ ነፍርቲ ካብ ሰማይ ዘውረዳ ባዕል ወርቓዊ ታሪኽ ዝሓዘት እያ፣

-መማእኸሊት ናይ ዝተፈላለያ ወረዳታት ብምዃና ሰፊሕ ናይ ዕዳጋ ልውውጥ ዝካየደላ ፣ሰፊሕ ናይ ከተማ ሕርሻ ሽፋን ዝርከባ፣ዳርጋ ኩሎም ባንክታት ጨንፈሮም ከፊቶም ዝንቀሳቐሱላን - ዓመት ሙሉእ ዘይቋርፅ ዝውሕዙ :ሩባታት እትፍለጥ ሓምለወይቲ ዓዲ ፍረምረ ዘይትሁን፥ማንጎ፥ኣፕል፥ካዝሚር ብበዝሒ ዝፈርየላን ከተማ እያ፣ :
- ማእኸል ወረዳ ናይ ወረዳታት እገላ፥ሓሓይለ፥ኣሕፈሮም ብበዝሒ ዕዳጋ ናይ እንስሳ ዝካየደሉ ከተማ እያ፣
- ማእኸል ዕዳጋ ጌሶ ዝርከባ እያ፣
- ንህቢ ምፍራይ ዝተመቸወት፣ካብ መላእ ትግራይ ብፉሉይ ኣብ ክረምቲ እዋን ምሻጥ ማዓር፥ብዝተፈለየ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ዘይርከብ ናይ ዕደጋ ንህቢ ኣብ ከተማ እንትጮ ጥራሕ ዝካየደሉ ከተማ እዩ፣
-ኣብ ሞንጎ ታሪኻዊትን ጥንታዊት ከተማ ይሓን ሃይማኖታዊት ገዳም ደብረዳሞ እትርከብ ንበፃሕቲ ዝተመቸወት ከተማ እያ፣ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ብሰፊሕ ናይ ማዓድን ናይ ሓፂን፥ወርቒ፥ንመልከዕኛ እምኒ ዝኸውን ብበዝሒ ዝርከባ ከተማ እያ፣
- ብሰፊሑ ብኸውሒ ዝተሸፈነት ንግልጋሎት ኮንስትራኽሽን ዝውዕል እምኒ ዘለዋ
ከተማ እያ፣
- ሰፊሕ ናይ መፍራያይ ሓይሊ መንእሰይ ዝርከባ ከተማ እያ፣

Investment Areas

Education support, school improvement, agriculture, small business, youth skills, water projects, health outreach, and infrastructure development.

THE ASSETS OF ENTICHO
Enticho covers 1,172 hectares of fertile land, making it a beautiful and comfortable place to live.
Agriculture & Irrigation
Thanks to perennial rivers, the city is a powerhouse for:
Mangoes
Apples
Kazmir (White Sapote)
In the era of Dejazmach Wube, Enticho was granted as an estate to a German named Schimper. He is credited with introducing foreign potatoes to the region.

The Unique Bee Market:
Enticho is the only city in the region that hosts a specialized market for live bee colonies during the rainy season.
Economic Strengths:

Mining: Rich deposits of Gold, Iron, and decorative stones.
Livestock: A central hub for cattle and sheep exchange.
Construction: Abundant stone resources for the building industry.

Tourism Areas

Historic churches, cultural heritage locations, mountain landscapes, traditional community celebrations, and local historical landmarks.

HERITAGE SITES
Ancient Ruins: Unstudied heritage sites dating back to the Old Testament era line the road to Adi Ahferom.
Adi Hidro: The historic first settlement of the Muslim community in Enticho, located to the south.

TRAVELER INFORMATION
Enticho is perfectly positioned for history enthusiasts and pilgrims:
East: The ancient pre-Aksumite temple of Yeha.
West: The legendary cliff-top monastery of Debre Damo.

A VIBRANT COMMUNITY
With a population of 35,136, Enticho is powered by a youthful workforce and a welcoming community.
"Visit Enticho – Where History Meets the Future."

LAND OF HEROES
Bashay Awalom Haregot: The mastermind hero of the Battle of Adwa.
Gurum Reda Asresehegn: A veteran who famously downed three fighter jets from the ground during the 17-year struggle.

Leadership Names

Administration contact: To be updated
Investment contact: To be updated

Chairperson: To be updated
Vice Chairperson: To be updated
Secretary: To be updated
Treasurer: To be updated
Youth / Women Representatives: To be updated

Contact Information

GEOGRAPHY
Awger Mountain: The majestic peak once used as a fortification by Ras Alula.
May-Suru River: Perennial water source fueling year-round irrigation.

Administration Contact comming soon:
Phone: To be updated
Email: adwaunity1@gmail.com

Social Media Links